ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ሮማ
Monday, 24 September 2007
ብኣጋጣሚ ዕለት ዝኽረ እሱራት 18 መስከረም ኣብ ሃገር ኢጣልያ ኣብ ከተማ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ::
እዚ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ ብኣብ ኢጣልያ ዝንቀሳቐሳ ተጣበቕቲ መሰል ወዲሰብ ማሕበራትን ፖለትካዊ ውድባትን መራሕቲ ሃይማኖታትን ዝተወደበ ኮይኑ ብርክት ዝበሉ ኤሪትራውያንን ወከልቲ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ኢጣልያውያን ማሕበራትን ዝተሳተፍዎ ብድምቀትን ብዓወትን ተዛዚሙ። ዕላማ ናይዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ዘስካሕክሕ ምግሃስ መሰል ኤሪትራውያን ዜጋታት ፡ ዝኽተሎ ዘሎ ፍትሒን ሕግን ኣልቦነት ናይ ዉሑዳት ዓመጽቲ ኣመራርሓ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤሪትራ ዘስዓቦ ሃገሩ ራሕሪሑ ናብ ስደት ብምምራሑ ኣደዳ ስቓይን ካልእ ግፍዕታትን ኮይኑ ብምህላዉ፡ ነዚ ንምቅዋም ብሓደ ድምጺ ዝተላዕለ ሰላማዊ ሰልፊ ኢዩ ኔሩ።
ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ክልተ ቦታታት ክካየድ ኢዩ ተመዲቡ:
ንግሆ ካብ ሰዓት 9.30 ክሳብ ሰዓት 12.00 ኣብ ኣፍደገ ቤትጽሕፈት ኤምባሲ ኤሪትራ ክኸውን ከሎ ድሕሪ ቀትሪ ድማ ካብ ሰዓት 4:00 ክሳብ ሰዓት 5:30
ኣብ ቅድሚ ሃገራዊ ባይቶ ጥልያን ተኻይዱ፡
እቲ ካብ ዝተፈላለየ ከትማታት ኢጣልያ ዝመጸ ተሳታፊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ “ፒያሳ ደላ ረፑብሊካ” ድሕሪ ምርኻብ ብዝተጠርነፈን ዝተወደበን ኣገባብ ናብ ቤትጽሕፈት ኤምባሲ ኤሪትራ ድሕሪ ምብጻሕ ብሓደ ድምጺ ዝተፈላለዩጭርሖታት ከቃልሕ ጀመረ:
ነቲ ኣብ ኤሪትራ ዘሎ ቤት ማእሰርትን ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜ ገበኖም ከይተሓበሮም ዝተኣስሩ ዜጋታታት ብዘይ ወዓል ሕደር ክፍትሑ፡ ወይ ድማ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ፍርዶም ክቕበሉ፣ ናይ ፖለቲካን ሃይማኖትን እሱራት ክፍትሑ፡ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ክወርድን ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ንኽትከል ዲሞክራሲያዊ ምርጫ ክካየድን ዝጠልብ ጽሑፋት ብምዝርጋሕ ዕላማ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንኩሉ ሓላፊ መገዲ ኣፍሊጡ:
ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብኣብ ዝባኖም ዝወርድ ዝነበረ ዝናብን ቁርን ከይተሓለሉ ብትረትን ብትብዓትን ዘርኣይዎ ብደሀ ብሓቂ ዘተባብዕ መንፈስ ከምዝነበረ ከይተጠቕሰ ክሕለፍ ኣይግበኦን። ንክልተ ሰዓትን ፈርቓን ዝኣክል ህግደፍ ይውረድ! ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ይተኸል! ስልጣን ንህዝቢ! ብድምጺ ህዝቢ ዝጸደቐ ቅዋም ይተግበር! ፍትሒ ይንገስ ህግደፍ ይልገስ (ይፍረስ)! ናይ ፖለቲካ፣ናይ እምነትን ናይ ሕልናን እሱራት ይፈትሑ! … ወዘተ ዝብል ጭርሖታት ኣንዳስመዐ ዝተፈላለዩ ጭርሖታት ብምሕዛል ኣቓልቦ ጋዜጠኛታትን ሓለፍቲ መገዲን ክስሕብ ክኢሉ:
እዚ ሰልፊ’ዚ ፍሉይ ዝገብሮ፡ ተሳተፍቱ ኣቦታት፡ ኣዴታትን መንእሰያትን ዘጠቓለለ ምንባሩ ጥራይ ዘይኮነ ድኻሞም ከይጸብጸቡ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ምምጽኦም’ውን ኢዩ::
ብኣጋጣሚ ዕለት ዝኽረ እሱራት 18 መስከረም ኣብ ሃገር ኢጣልያ ኣብ ከተማ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ::እዚ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ ብኣብ ኢጣልያ ዝንቀሳቐሳ ተጣበቕቲ መሰል ወዲሰብ ማሕበራትን ፖለትካዊ ውድባትን መራሕቲ ሃይማኖታትን ዝተወደበ ኮይኑ ብርክት ዝበሉ ኤሪትራውያንን ወከልቲ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ኢጣልያውያን ማሕበራትን ዝተሳተፍዎ ብድምቀትን ብዓወትን ተዛዚሙ። ዕላማ ናይዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ዘስካሕክሕ ምግሃስ መሰል ኤሪትራውያን ዜጋታት ፡ ዝኽተሎ ዘሎ ፍትሒን ሕግን ኣልቦነት ናይ ዉሑዳት ዓመጽቲ ኣመራርሓ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤሪትራ ዘስዓቦ ሃገሩ ራሕሪሑ ናብ ስደት ብምምራሑ ኣደዳ ስቓይን ካልእ ግፍዕታትን ኮይኑ ብምህላዉ፡ ነዚ ንምቅዋም ብሓደ ድምጺ ዝተላዕለ ሰላማዊ ሰልፊ ኢዩ ኔሩ።
ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ክልተ ቦታታት ክካየድ ኢዩ ተመዲቡ:
ንግሆ ካብ ሰዓት 9.30 ክሳብ ሰዓት 12.00 ኣብ ኣፍደገ ቤትጽሕፈት ኤምባሲ ኤሪትራ ክኸውን ከሎ ድሕሪ ቀትሪ ድማ ካብ ሰዓት 4:00 ክሳብ ሰዓት 5:30
ኣብ ቅድሚ ሃገራዊ ባይቶ ጥልያን ተኻይዱ፡
እቲ ካብ ዝተፈላለየ ከትማታት ኢጣልያ ዝመጸ ተሳታፊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ
“ፒያሳ ደላ ረፑብሊካ” ድሕሪ ምርኻብ ብዝተጠርነፈን ዝተወደበን ኣገባብ ናብ ቤትጽሕፈት ኤምባሲ ኤሪትራ ድሕሪ ምብጻሕ ብሓደ ድምጺ ዝተፈላለዩጭርሖታት ከቃልሕ ጀመረ:
ነቲ ኣብ ኤሪትራ ዘሎ ቤት ማእሰርትን ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜ ገበኖም ከይተሓበሮም ዝተኣስሩ ዜጋታታት ብዘይ ወዓል ሕደር ክፍትሑ፡ ወይ ድማ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ፍርዶም ክቕበሉ፣ ናይ ፖለቲካን ሃይማኖትን እሱራት ክፍትሑ፡ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ክወርድን ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ንኽትከል ዲሞክራሲያዊ ምርጫ ክካየድን ዝጠልብ ጽሑፋት ብምዝርጋሕ ዕላማ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንኩሉ ሓላፊ መገዲ ኣፍሊጡ:
ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብኣብ ዝባኖም ዝወርድ ዝነበረ ዝናብን ቁርን ከይተሓለሉ ብትረትን ብትብዓትን ዘርኣይዎ ብደሀ ብሓቂ ዘተባብዕ መንፈስ ከምዝነበረ ከይተጠቕሰ ክሕለፍ ኣይግበኦን። ንክልተ ሰዓትን ፈርቓን ዝኣክል ህግደፍ ይውረድ! ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ይተኸል! ስልጣን ንህዝቢ! ብድምጺ ህዝቢ ዝጸደቐ ቅዋም ይተግበር! ፍትሒ ይንገስ ህግደፍ ይልገስ (ይፍረስ)! ናይ ፖለቲካ፣ናይ እምነትን ናይ ሕልናን እሱራት ይፈትሑ! … ወዘተ ዝብል ጭርሖታት ኣንዳስመዐ ዝተፈላለዩ ጭርሖታት ብምሕዛል ኣቓልቦ ጋዜጠኛታትን ሓለፍቲ መገዲን ክስሕብ ክኢሉ:
እዚ ሰልፊ’ዚ ፍሉይ ዝገብሮ፡ ተሳተፍቱ ኣቦታት፡ ኣዴታትን መንእሰያትን ዘጠቓለለ ምንባሩ ጥራይ ዘይኮነ ድኻሞም ከይጸብጸቡ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ምምጽኦም’ውን ኢዩ::
እቲ ሰልፊ ጭርሖታቱ ምቅላሕ እንዳቐጸለ ከሎ ወከልቲ ማሕበራት ትሕዝቶን ትርጉምን ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ዝገልጽ ዝተዳለወ ጽሑፍ ፡ ንኣምባሳደር ኤሪትራ ንምርካብ ናብ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ጠለቦም የቕርቡ: ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ድሕሪ ምእታዎም እቲ ደብዳቤ ተቐቢልና ክንህበልኩም እምበር ምስ ኣምባሳደር ከነራኽበኩም ፈቓድ የብልናን ዝብል ናይ ፍርሒ መመኽነይታ ኣቕሪቦም እቲ መስርሕ ተደምደመ:
ሰላማዊ ሰልፊ ስዓት 12.00 ምስተወድአ ተሳተፍቲ ናይቲ ዝተኻየደ መደብ
ገምጋም ንምግባር ተኣኪቦም ርእይቶን ሓሳባትን ድሕሪ ምልውዋጥ ዕዉትን ውጺኢታዊን ምንባሩ ምርድዳእ ድሕሪ ምግባር፡ ንመጻኢ እዋን ዝሰፍሔን ዝዓበየን መደብ ንምክያድ ዘድሊ ምቅርራብን ምውህሃድን ክህሉ ተሰምሚዖም ናብቲ ናይ መዓልቲ ካልኣይ መደብ ተሰግረ:
እቲ ካልኣይ ምደብ ኣብ ኣፍደገ ፓርላማ ጣልያን ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ክኸውን ከሎ: ምስ ኣቦመንበር ባይቶ ጥልያን ተራኺብናጥርዓና ንምቕራብ ዝዓለመ ነበረ::ኣብ መንጎ ኤሪትራን ጥልያንን ዘሎ ታሪኻዊ ዝምድና ብምምርካስ መንግስቲ ጣልያን፡ ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤሪትራ ዝካየድ ዘሎ ግፍዕታትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን፡ሸለል ከይበለ፡ ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ከቃልዕን ንምፍታሑ ከኣ ግቡእ ኣቓልቦ ሂቡ ክስርሓሉን ዝጠልብ ኢዩ ኔሩ።ከምኡውን ኣብ ሃገር ጥልያን ዝርከቡ ኤሪትራውያን ዘለዎም ናይ ዶክመንት ሽግራት መንግስቲ ጥልያን ፍሉይ ኣቓልቦ ብምሃብ ጭቡጥ ፍታሕ ንኽገብር ዝምልከት ነበረ: ምስዚ ብምትእስሳር ኤሪትራውያን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ስደት ቦታታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ሱዳንን ሊብያን ይሳቐዩ ስለዘለዉ መንግስቲ ጣልያን ኣቓልቦ ሂቡ ፍታሓት ክደልየሉ ጻውዒት ቀሪቡ።
ብተውሳኺ ነቲ ብሕ.መ ናይ ክፍሊ ሓተቲ ዑቕባ (UHHCR) ኣብ ሊብያ ተኣሲሮም ዘለዉ ኤሪትራውያን ከም ሓተትቲ ዑቕባ ክፍለጡን ብሕጋዊ ኣገባብ ናብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣውስትራልያን ኣሜሪካን ክኣትዉ ዝተገብረ ጠለብ ፣ብወገን ጥልያን ዝተኣትወ መብጽዓ ኣዚዩ ውሑድ ቁጽሪ ብምኻኑ ክዛይድ ዘመልክት ኢዩ።ኣብቲ ኣፍደገ ባይቶ ጥልያን ተረኺብና ሰላማዊ ሰልፊ ድሕሪ ምጅማር ካብ ተሳተፍቲ ብኤርትራውያንን ብኢጣልያውያንን ዝቖመ ወካሊ ጉጅለ ምስ ወከልቲ ኣቦ ወንበር ፓርላማ ጣልያን ክዛረብን ብዝርዝር ትሕዝቶ ሰለማዊ ሰልፊ ዝገልጽ ጽሑፍ ክህብን ክኢሉ::
ነቲ ዝተዋህበ መግለጺ ድሕሪ ምስማዕን ዝቐረበ ጽሑፍ ድሕሪ ምርኣይን ነዚ ጠለባትዚ ብቑዕ መልሲ ንምሃብ ኣብ ዝመጽእ ሓጺር ጊዜ ምስ ናይቲ ፓርላማ ክልተ ኮሚሽናት (ወጻኢ ጉዳይ ኮሚሽን ፓርላማን ውሽጣዊ ጉዳይ ኮሚሽን ፓርላማ) ክመሓላለፍን ተርኺብኩም ኩነታትኩም ከተብርሁ ቆጸራ ክንወስደልኩም ኢና ዝብል መብጽዓ ኣትዮም ተፈላሊና:
ብተወሳኺ ነዚ ዘሎ ህልው ኪነታት ኤሪትራ ናብ ፕረሲደንት ፓርላማ ብምቕራብ ዝከኣል ድፍኢትን ምሕጽንታን ክምዝግበር ኣመልኪቶም። ኣብ መጨረሻ ብሓፈሻ ህልው ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብፍላይ ድማ ጉዳይ ስደተኛታት ኤሪትራውያን ከም ኣገዳሲ ኣጀንዳ(መዛረቢ ነጥቢ) ተራእዩ ኣብ ፓርላማ ክቐርብ ምኻኑ ብምብራህ ንሰለማዊ ሰልፈኛታት ኣፋንዮም።
ኣብዚ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ዝተፈላለያ ናይ ዜና ማዕከናት ወከልቲ ( ናይ ጋዜጣን ሬድዮን ኣዳለውቲ) ተከታቲለን ኣብ ምቅላሕ ዓቢ ተራ ክጻወታ ምኽኣለን ዝያዳ ድምቀት ከምዝሃብኦ ክጥቀስ ይግብኦ:
ኣብ መወዳእታ ብስም ኩልና ተሳተፍቲ ናብ ኩሉ ደላይ ፍትሕን ሰላምን ዲሞክራስን እዚ መልእኽቲ ከነ መሓላልፍ ንፈቱ፡ ህዝቢ ኤሪትራ ሓፍ ንዝበለ ብገመድ ኮፍ ንዝበለ ብጎመድ ኣደራዕ ገፍዒ ጉጅለ ህግደፍ በርቲዕዎ ናብ ፈቖዶ ጎረባብቲ ሃገራት ፋሕ ጨንገራሕ እናበለ ከሎ፡ ዜጋታት ኣብ ማሕዩር ብዘይ ፍርድ እንታሳቀዩ ስቕ ኢልና ክንዕዘብ ሕልናና ስለዘይፍቅደልና እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ክንገብር ወሲንና፡ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ከኣ ነዚ ኣብ ህዝቢ ኤሪትራ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ብሓደ ድምጺ ክቃወምን ክቃለስን ንጽውዕ።
ዓወት ንህዝቢ ኤሪትራ ዝልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና!
ኣሳናዳኢት ሽማግለ
ኣብ ሰለማዊ ሰልፊ ዝተሳተፋ ማሕበራት:-
A.H.C.S Agenzia Habeshia per la Cooperazione allo Sviluppo (Roma)
A.H.E.I Associazione Hadinet Eritrawyan in Italia (Roma)
ASPER Associazione per la tutela dei diritti umani del popolo Eritreo (Napoli)
MOSSOB Comitato Italiano per un’Eritrea democratica (Milano)
C.C.D.E.I. Coordinamento Democratici Eritrei in Italia (Milano)
A.I.E.I. Associazione Immigrati Eritrei in Italia (Milano)
A.S.D.G Associazione di Solidarietà per la Giustizia e la Democrazia in Eritrea
(Milano)
P.D.E. Associazione per il Partito Democratico Eritreo in Italia
(organizzazione politica dell’opposizione eritrea in diaspora)
E.P.M. Eritrean People Movement
(organizzazione politica dell’opposizione eritrea in diaspora)
ALLEANZA EVANGELICA ITALIANA (Roma)
PORTE APERTE (Isola della Scala-Verona)
SOLIDARITY INTERNATIONAL (Catania)
ICN-News (Catania)
AMNESTY INTERNATIONAL – Coordinamento Africa Orientale (Sezione Italiana)
RETE LILLIPUT (Nodo di Napoli)
don. Mosè

- Mussie Zerai Yosief
- Roma, Italy
- Sono Sacerdote Eritreo. Vivo in Italia dal 1992 Attualmente studio alla Pontificia Università Urbaniana Mi occupo dei diritti dei migranti, inparticolare dei richiedenti asilo politico e Rifugiati politici. Sono impegnato a favore dei diritti umani e civili degli Eritrei ed Etiopi.
Iscriviti a:
Commenti sul post (Atom)
Nessun commento:
Posta un commento